www.blina.org

ዝኽሪ ክብርትን ፍትውትን ኣደናን ሓፍትናን ነፍስሄር ኪዳን ናሳሕ መሓመድ።

ነፍሰሄር ኪዳን ናሳሕ ብዕለት 01/07/1952 ካብ ኣቦኣ ናሳሕ መሓመድ ካብ ኣዲኣ ስላስ ሓምደ ኣብ ባም...

1 መግለጺ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ) ብምኽንያት ግምቦት 24 መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ፡

ልክዕ ከም'ዚ ሎሚ ቅድሚ 33 ዓመት ኣብ ግንቦት 24 1991 ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ተበራረይቲ ባዕዳውያ...

ዝኽሪ ስውኣት 2024
Blina News - brk/news

 
24 mai independence day Eritrea
Blina News - brk/news

 
ርሑስ በዓል ፋስካ 2024
Blina News - brk/news

 
ድሕነትና ብስሙር ቅልጽምና!!
Blina News - brk/news

ህዝቢ ኤርትራ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊሉ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ካብ ዝላቐቕ ኣነሆ 33 ዓመታት ክመልእ ሰሙናት ተሪፍዎ ኣሎ። እዘን ዝሓለፋ ልዕሊ ሰላሳ ዓመት ግን ንለበዋታት እቶም ዝተሰውኡን ንባህግን ተስፋታትን እቶም ብህይወት ነጻነት ዝረኣዩን ዜጋታትና ዝምጥን ከም ዘይነበረ ብግብሪ ዝተራእየለን ዓመታት ምዃነን ዓለም ዝመስከረሉ ሓቂዩ። ዝተሰደዱ ናብ ሃገር ዝምለሱሉ፡ ዝጠመየ ዝዕንገለሉ፡ ልዕልነት ሕጊ ዝረጋገጸሉ ኮታ ከም ዜጋ ብሰላም ወጺኡ ብሰላም ዝነብረሉ ኮይኑ ኣይተረኽበን። እኳ ደኣስ ካብዚ ኣረሜናዊ ዘቤታዊ መግዛእቲ፡ ዝሓለፈ ባዕዳዊ መግዛእቲ ይሓይሽ ክሳብ ምባል ዝበጽሑ ዜጋታት ከምዘለዉና ሓደን ክልተን ዝበሃሎ ኣይኮነን።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ ኣብ ዝስዕብ ቐለበት ጽዓን፣ PDF link.

 
ፖሓኤ ናይ ውድባቱ ኣባላት ሰፊሕ ኣኼባ ኣኻይዱ
Blina News - brk/news

ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ብ10 ለካቲት 2024 ናይ ውድባቱ ኣባላት ሰፊሕ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባ ኣሰናዳእቲ ናይቲ መድረኽ ዕላማ ኣኼባ፡ ሕድሕድ ምልላይ  ኣባላትን ንናይ ሓባር ቃልሲ ምብጋስን ምዃኑ ኣፋሊጦም። ስዒቡ ኣቦመንበር ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ መእተዊ ቃል ኣስሚዑ። ኣቶ ገርዝግሄር ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ ፖሓኤ ናብዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንከጽሕ ዝሰገሮም ብደሆታትን ዘመዝገቦም ዓወታትን ጠቒሱ፡ ኣብ ዝዓለሞ ንምጻሕ ዝጽበዮ ዘሎ ቃልሲ ብዝምልከት’ውን ኣብሪሁ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጽሑፍ ንምንባብ ኣብ ዝስዕብ ናይ URL link ጽዓን።

 
1 ደምዳሚ መግለጺ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኮሚተ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ)
Blina News - brk/news

ፈጻሚት ኮሚቴ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ) ካብ ዕለት 02-03 ጥሪ 2024 ካላኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣሰላሲሉ ።
ኣብ'ዚ ዘካየዶ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሓት ንግንባራዊ ሂወት ፡ ሃገራዊ ፣ ከባቢያውን ዓለማውን
ጉዳያት ኣመልኪቱ ሓበሬታታት ተለዋዊጡ ። ኣብ'ዚ ኣኼባ’ዚ ፡ ኩነታት ግንባርናን ዝሓለፎም ጉዕዞታትን ፡ ሃገራዊ ፡ ከባቢያውን
ዓለማውን ኩነታት መሰረት ጌሩ ፡ ዓሚቕ ገምጋማት ኣካይዱ ፤ ኣገደስቲ ውሳነታት ወሲኑ ፤ መጻኢ ናይ ስራሕ መደባቱ
ሓንጺጹ ።

 

ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ ኣብ ዝስዕብ ቀለበት PDF ጽዓን 

 
ጋዜጣዊ መግለጺ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ
Blina News - brk/news

ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ብወርሒ ለካቲት 2020 ብዕድመ ነፍሰሄር ብርሃነ ወልደገብርኤል ኣካያዲ ትምህርትን ሕትመትን ማሕበር ኤርትራ ክብገስ እንከሎ፡ ጥርናፈ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብምርግጋጽ፡ ህዝብን ሃገርን ነድሕን ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ድምጽን ተግባርን ደምበ ተቓውሞ ብምሕባር፡ ኣብ ልዕሊ ምልኪ ዓወት ንምርግጋጽ እዩ።

ቀጺልካ ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ፣ ኣብ ዝስዕብ ቀለበት ጽዓን። URL link

 
መግለጺ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ) ንዝኽሪ ግዳያት ኤርትራውያን ፡ ኣብ ደሴት ላምፐዱዛ 03 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም.
Blina News - brk/news

ጥቅምቲ 03 ፡ ኣብ ታሪኸ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ፈጺማ ዘይትርሳዕ ጸልማት ዕለት እያ ። ልዕሊ 365 ኤርትራውያን፡ ንማአከላይ ባሕሪ እናቖረጹ ፡ ኣብ'ታ ዝተሳፈሩላ ጀልባ ብዝተላዕለ ባርዕ ፡ ብነበልባል ሓውን ናብ ባሕሪ ብምጥሓልን ፡ ብቕጽበት ዝሃለቑላ ዕለት እያ ። በዚ ዘሕዝን መቕዘፍቲ'ዚ ድማ ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ ፡ መንግስታትን ማሕበረ-ሰብን ዓለም ፡ ኣብ ዓሚቕ ሓዘን ዝተሸመሙላ መራር ናይ ጸልማት ዕለትውን'ያ ። ብኣንጻሩ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ጉጅልኡን ንዜጋታትና ኣፍልጦ ንዘይምሃብ ፡ 'ስደተኛታት ኣፍሪቃ' ብምባል ፡ ኤርትራውነቶም ዝኸሓዱላ ዕለት እያ ። ካብ ሰብኣውነት ንላዕሊ፡ ምስልን ፡ ክብሪ ስርዓቱ ምሕላው ዝዓጦ ጨካን ስርዓት ኢሳያስ-ህግደፍ ፡ ነቶም ኣብ ገዛእ ሃገሮም ሂወቶም ብሰላም ናይ ምምራሕን ሰሪሖም ናይ ምንባርን ዕድሎም ኣጸልሚቱ ፡ ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡ ዘገደዶም ዜጋታት፡ ከም ኤርትራውያን ኣፍልጦ ክህቦም ፍቓደኛ ኣይነበረን ። ልዕሊ’ዚ ኣዝዩ ዝኸፍአ ድማ፡ ኣብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብ ቤተ-ሰብ ግዳያት ደማ ብፍላይ ፡ ዘይሓዊ ቁስሊ ዘዕረፈ ፡ ኣብ መሬት ዓዶም ሓመድ ድበ ዝለብሱሉ ዕድል ፈጺሙ ምንፋጉ እዩ ። ስለዝኾነ'ውን፡ ኣብ ዓዶም ብሂወት ናይ ምንባር ዕድል ዝተሓረሞም ወገናትና ፡ ብዘሰቅቕ ምስ ተቐዝፉ ድማ፡ ሓመድ ድበ ዓዶም ተኸልኪሎም ክሳብ ሕጂ ኣብ መሬት ዓዲ ጣልያን ኣብ ጊዝያዊ ጎዳጉዲ ክጸንሑ ግድን ኮይኑ ምህላዉ ዘደቅስ ኣይኮነን ።

ቀጺልካ ንምንባብ፣ ኣብዝስዕብ ቀለበት ጽዓን። PDF link

 
ዝኽሪ ክብርትን ፍትውትን ኣደናን ሓፍትናን ነፍስሄር ኪዳን ናሳሕ መሓመድ።
Blina News - brk/news

ነፍሰሄር ኪዳን ናሳሕ ብዕለት 01/07/1952 ካብ ኣቦኣ ናሳሕ መሓመድ ካብ ኣዲኣ ስላስ ሓምደ ኣብ ባምቢ ኣውራጃ ሰንሒት ኤርትራ ተወሊዳ። ክብርቲ ነፍስሄር ኪዳን ምስ በዓል ቤታ ኣቶ ስዩም ወልደንስኤ ተመርዕዮም ናኢሳቅን መልንን ወሊዶም።

ኪዳን ምስ ኩሉ ሕውስቲ ዓቢ ንእሽተይ ከይበለት ጠርናፊትን መሃሪትን እያ ነይራ። ልምድን ባህልን ሕብረተሰብና ከይሃሰሰ ብፍላይ ቛንቛን ባህልን ብሌን ንንኡስ ክሓልፍ ዓቢ ግደ ኣበርኪታ። ነፍሰሄር ኪዳን ናሳሕ ብለውሃታን ቅንዕናኣን ጻዕራን ድማ ተዘኪራ ክትነብር እያ። “እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፣ ሓጐስ፣ ዕርቂ፣ ዓቕሊ፣ ለውሃት፣ ሕያውንውት፣ እምነት፣ ህድኣት፣ ይኣኽለኒ ምባል እዩ። ”ገላትያ 5:22 ። ኣብዚ ከቢድ ናይ ሓዘን ግዜ ዝደገፍኩምናን ደዊልኩም ዘጸናናዕኩምናን ዝበጻሕኩምናን ዘቃበርኩምናን ብልቢ ምስጋና ነቕርብ። ሕሰም ኣይትርከቡ።

 

እግዚኣብሔር ንህዝብና ይባርኽ።

 

 

 

 

‘May the Lord bless you and keep you:

The Lord make his face to shine upon you, and be gracious to you.’

                                 Numbers 6:24

 

Kidan Nasah was born on July 1st 1952 in Bambi Eritrea to Nasah Mohammed and Selas Hamde. She passed away on June 9th 2024 in Rotterdam the Netherlands. She is married to Seyoum Weldensei and gave birth to two children, Issac and Mellen.

She was known for building bridges between people of all age, places, and races. She loved gardening, and learning and was passionate about maintaining and passing on Blin language and culture. We are saddened by her loss and draw comfort from the fact that she left behind a piece of her legacy in everyone who crossed paths with her.

 

‘But the fruit of the spirit is love, peace, patience, kindness, goodness, faithfulness, gentleness, self-control, against such there is no low.’

                                   Galatians 5:22

We are thankful for all the love and support that we have received during these difficult times.

                      May the Lord bless us all.

 
1 መግለጺ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ) ብምኽንያት ግምቦት 24 መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ፡
Blina News - brk/news

ልክዕ ከም'ዚ ሎሚ ቅድሚ 33 ዓመት ኣብ ግንቦት 24 1991 ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ተበራረይቲ ባዕዳውያን ሓይልታት ዘካየዶ ናይ ወለዶታት ቃልሲ ንነጻነትን፡ ሃገራዊ ልዑላውነትን፡ ብዓወት ተዛዚሙ ። ነዛ ዕለት እዚኣ ብክብሪ ክነብዕላ እንከሎና፡ ኣቐዲሙ ኣብ ኣእሙሮና ዝመጽእ፡ እቲ ናብ'ዛ ዕለት እዚኣ ንምብጻሕ ምእንቲ ህዝቦምን መሬቶምን ክብሉ፡ መተካእታ ዘይብላ ክብርቲ ሂወቶም ዝወፈዩ ጀጋኑ ሰማእታትናን፡ ኣካላቶም ቀቢሮም ዝኣተዉ ስንኩላንናን እዮም ። ብመስዋእቶምን፡ ስንክልንኦምን፡ ዝተሰርሐ ታሪኽን እንዳዘከርና፡ እንሓዝነሉን ነስተንትነሉን ዕለት ጥራይ ኣይኮነትን፤ ብርግጽ እቲ ዝተኸፍለ ዋጋ፡ ነጻነት ምርግጋጽ ጥራሕ ኣይነበረን፡ ሕቶ ሰላም፣ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ልኣላውነትን ዘላቂ ምዕባለን ንምርግጋጽ’ውን ኢዩ ነይሩ ፡ ይኹን እምበር፡ ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ብሓይሊ ብረት ስልጣን ስለ ዝበሓተ ተኾሊፉ ። ስለዚ እቶም ብሂወት ዝኣተና ነዛ ክብርቲ ዕለት ክነኽብር እንከለና፡ ነቲ ብሰንኪ በሓቲ ስርዓት ህግሓኤ/ህግደፍ ዝተኾልፈ፡ ሕቶ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራስን ዘላቂ ምዕባለን መሊእና ንምምላስ፡ መብጽዓና ደጊምና እነሕድሰላ ናይ ቃልስን ዓወትን መዓልቲ ኢያ ።

 

ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ ኣብ ዝስዕብ ቀለበት ጽዓን PDF link

 
ብምኽንያት መይ-ደይ ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ-ሸቃሎ፡
Blina News - brk/news

ሎሚ፡ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ሸቃሎ፡ ንመበል 131 ግዜ ትኽበር ኣላ። ታሪኻዊት ዕለት ግንቦት ሓደ (May-Day) ንቃልስን መስዋእትን ሸቃሎ ዓለምና ንምዝካር ዝተሰየመት'ያ። ሸቃሎ/ሰራሕተኛታት ኤርትራ'ውን ከም ኩሎም ካልኦት ሸቃሎ ዓለም፡ ክብርቲ ባዓሎም ብምዃና፡ ኣብ ክሊ'ቲ ዘሕልፉዎ ከርፋሕ ሂወት ኮይኖም እናዘከሩዋ ጸኒሖም እዮም። ሎሚ'ውን ኣብ ፍሉይ  ኩነታት ኮይኖም የብዕሉዋ ኣሎዉ።

 

ቀጺልካ ንምንባብ ኣብ ዝስዕብ ቐለበት ጽዓን፣ PDF link

 
1 ደምዳሚ መግለጺ 4ይ-ስሩዕ ኣኼባ፡ ላዕለዋይ ባይቶ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር(ኤስሃግ)
Blina News - brk/news

ላዕለዋይ ባይቶ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር(ኤስሃግ)፡ ካብ 05 ክሳብ 07 መጋቢት 2024
ዓ.ም. መበል 4ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ። ላዕለዋይ ባይቶ ኤስሃግ ኣብ ኣኼብኡ፡ ህሉው ዓለማዊ
ዞባውን ከባቢያውን ኩነታት፡ ኣብ ህዝባዊ ቃልስና ዘለዎ ጽልዋ ፈቲሹ። ንሃገራዊ ኩነታትና
ብዝምልከት ድማ፡ ህልው ኩነታት ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ብሓደ ወገን፡ ህዝብና ዘሕልፎ
ዘሎ ሕሱም ሂወት ድማ በቲ ካልእ ወገን ብስፍሓት ተማያይጡ፤ ገምጋሙ ኣንቢሩ። ኩነታት
ደምበ ተቓውሞ/ደለይቲ ለውጢ ኣብ ከመይ ዝመሰለ ኩነታት ከም ዝርከብ ፈቲሹ። ኣብ መስርሕ
ህዝባዊ ቃልስና፡ ህዝብና ኣንጻር ጨካንን ደመኛን ጸላኢኡ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ፡
ተቓሊሱ ከይዕወት፡ ብኣንጻሩ ዝወርዶ ዘሎ ዝኸፍአ ኣደራዕ፡ ካብ እዋን ናብ እዋን እናኸፍአ
ክቕጽል ዝገብር ዘሎ፡ ናይ ፖሎቲካዊ ውድባት ኤርትራ ዝተፈላለዩ ድኽመታት ፈቲሹ። ኤስሃግ
ከም ኣካል ኣምሳል ፖሎቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዘለዉዎ ውሽጣዊ ሕጽረታትን ዘጋጠሙዎ
ብደሆታትን ገምጊሙ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ቀጺልካ ንምንባብ፣ ኣብ ዝስዕብ ቀለበት ጽዓን።PDFLink.

 
Eritreas disappeared citizens.
Blina News - brk/news

Political Prisoners, Prisoners of Conscience and Other Forcibly Disappeared Citizens
in Eritrea since 1991.

To read the full list click on this PDF link.

 
ዝኽሪ ዖናን በስክዲራን 2023
Blina News - brk/news

መግዛእታዊ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ “ኤርትራ፣ መሬታ እንበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ” ካብ ዝብል ጭርሖ ተበጊሱ፡ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ይኹን ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ማእለያ ዘይብሎም ኤርትራውያን ግዳይ ማእሰርትን ቅንጸላን ገይርዎም ኢዩ።  

ብ1967 ዓ.ም ድማ “ዓሳ ንምቕታል ባሕሪ ምንጻፍ” ካብ ዝብል ኣረሜናዊ ፖሊሲታቱ ተበጊሱ ነቶም ካብ ከተማታት ወጻኢ፡ ኣብ ደንበታትን ንኣሽቱ ቁሸታትን ዝነብሩ ኤርትራውያን ናብ ወተሃደራቱ ዝቆጻጸርዎም ዓበይቲ ከተማታትን ዓድታትን ክግዕዙ ዘገድድ ውሳኔ ኣሕለፈ። ካብ’ዚ ውሳኔ’ዚ ተበጊሱ ድማ ኣብ ምዕራባውን ምብራቓውን ቆላታትን ኣብ ኣከለጉዛይን ሰንሒትን ዝርከባ ዓድታት ከቃጽልን ክቐትልን ጀመረ። ገለ ካብ’ተን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዝተቓጸላን ህዝበን  ድማ ግዳይ ናይ ቅትለት፡ ምፍንቃልን ስደትን ዝዀና ዓድታት ንምጥቃስ ዝኣክል ዓድ’እብራሂም፡ ዓድ ኩኩይ፡ ተኾምብያ፡ ምስያም፡ ሃዘሞ፡ ሶይራ፡ ዓይለት፡ ኣኽዋር፡ ገምሆት፡ ሕርጊጎ፡ ጀንገሬን፡ ሓልሓል፡ ፋና . . .ወዘተ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። ከም ሳዕቤን ናይ’ዚ ግፍዕታት’ዚ ብ1967 ዓ.ም ልዕሊ 30,000 ዝዀኑ ኤርትራውያን ናብ ሱዳን ተሰዲዶም፥ ክሳብ ሕጂ ድማ ውሑዳት እንተዘይኰይኖም እቶም ዝበዝሑ ናብ ዓዶም ኣይተመልሱን።

 

 ምሉእ ትሕዝቶ ክተንብቡ  ዝስዕብ ቀለበት ጽዓን PDF link

 
ብደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ዝተፈጸመ ቅትለት ንኹንን
Blina News - brk/news

ዘለናዮ እዋን ኣብ ኣጋ ወጋሕታ ዘሎ ድቕድቕ ጸልማት እዩ ከብሎ ዝኽእል ብዙሕ ምልክታትን መግለጺታትን ኣለዎ። ኣጸቢቑ በርሃው ክሳብ ዝብል ድማ ዝዕንቀፍን ዝወድቕን ዝስበርን ክህሉ ንጽበዮ ነገር እዩ። እዚ መበገሲ ጌርናዮ ዘለና ኣርእስቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝተፈጸመ ቅትለት ንጹህ ኤርትራዊ ዜጋዩ። ህይወቱ ዝሓለፈሉ ምኽንያት ከኣ ጸረ እቲ ሃገር ኣባዲሙ ህዝብና ንስደትን መቕዘፍትን ዘሳጠሐ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ደው ስለ ዝበለ ጥራሕዩ እዩ ዝበሃል ዘሎ። በዚ ሕማቕ ተረኽቦ ዝሰምበረ ልቢ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ብሓፈሻ፡ ናይ ቀረባ ቤተ ሰብ ድማ ብፍላይ ጽንዓትን ርግኣትን እናተመነና ንመዋቲ ድማ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ ንብል።

ቀጺልካ ንምንባብ ኣብ ዝስዕብ ቀለበት ጽዓን። PDF link

 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 178 guests online

ሆ ደ ር  ሕ ላ ን