www.blina.org

Breaking News: Updated:from Assenna.com PDF Print E-mail
Written by Administrator   
Wednesday, 06 April 2011 11:25
ዘሕዝን ወረ፣
ኣምላኽ ንሃገሮም ዓዲ ፍትሒ፣
ንስድራ-ቤቶም ጽንዓት፣
ንኣም ከኣ ኣብ መንስተ-ሰማይ ይቐበሎም
እዚ ካብ ኣሰና ዝተወስደ ወረ ኢዩ። ሆደ

Home  ትግርኛ  ዜና  Breaking News: Updated: ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝንገረሎም 335 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ገማግም ሊብያ ብጅምላ ሃሊቖም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።
Breaking News: Updated: ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝንገረሎም 335 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ገማግም ሊብያ ብጅምላ ሃሊቖም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።
Tuesday, 05 April 2011 09:57
 
 (ነዚ እንደገና ብተወሳኺ ሓበሬታ ዝተመሓየሸ ዜና ንምርኣይ ብሰማያዊ ሕብሪ ተጻሒፉ ዘሎ ሕጡበ-ጽሑፋት ተመልከቱ) ነዚ ዘሕዝን ፍጻሜ’ዚ ብዝምልከት ዘዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከነስዕበልኩም ምዃና ከምዝሓበርናኩም፡ ብፍላይ ንቑጽሪ ናይቶም ግዳያት ብዝምልከት ዝረኽብናዮ ዝያዳ ዝተጻረየ ሓድሽ ሓበሬታ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
እቶም ኣብታ መርከብ ዝጠፍኡ ቆልዑ 13፡ ደቀንስትዮ 62፡ ኢትዮጵያውያን ከኣ 10 ምዃኑ ተፈሊጡ። ስለ’ዚ ቁጽሪ ናይቶም ግዳይ ናይዚ ጃምላዊ ህልቂት ኮይኖም ዘለዉ ኤርትራውያን 325 ምዃኑ ተረጋጊጹ ‘ሎ።
ተሳፈርቲ ናይታ መርከብ ዝነበራ ክልተ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ፡ ሓንቲ ኣብ ኣፍልባ ሓንቲ ድማ ኣብ እግራ ብተተኳሲ ከምዝተሃርማ  ምልከት ከምዝተረኽበን ዝረኽብናዮ ሓድሽ ሓበሬታ የረድእ። ንግዚኡ ‘ኳ ክንዕቅቦ እንተመረጽና፡ ምሉእ ኣስማተን ‘ውን በጺሑና ‘ሎ።
እዞም ብ21 መጋቢት ተኣኻኺቦም ናብ 22 መጋቢት ኣብ ዝውግሐ ለይቲ ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝፈተኑ፡ ደሃዮም ጠፊኡ ዝቐነየ፡ ዳርጋ ኹሎም ኤርትራውያን ዝኾኑ ግዳያት ካብ ገማግም ሊብያ ከይረሓቑ ከምዝጠፍኡ እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።
ኣብ መንጎ’ቲ ሬሳታት ናይ ኤርትራ መንነት ወረቐት ከምዝተረኽበ ‘ውን ተፈሊጡ።
ንኣጠሓሕላ እታ መርከብን ህልቂት ናይቶም ኣሓትን ሓሕዋትን ብዝምልከት፡ ነቲ ጉዳይ ክከታተሉዎ ካብ ዝቐነዩ ግዱሳት ሓንቲ፡ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ወ/ሮ ኤልሳ ጭሩም ከምዝሓበረቶ፡ እታ መርከብ ብወገን ሊብያ ይኹን ኔቶ ዛጊት ብርግጽ ክዝረበሉ ‘ኳ እንተዘይተኻእለ፡ ብኣጽዋር ተሃሪማ ዝብል ግምት ከምዘሎ ኣመልኪታ። ከም መርትዖ ናይዚ ከኣ፡ ኣብ መንጎ እቶም ድሮ ተኣኪቦም ዘለዉ ሬሳታት ናይ ተተኮስቲ ማህረምቲ ምልክታት ዘለዎም ከምዝተረኽቡ ኣረዲኣ።
በዛ ብ22 መጋቢት ተበጊሳ ደሃይ ኣጥፊኣ ዝቐነየት መርከብ ብዙሕ ኤርትራዊ ቤተሰብ ይኹን ጉዱስ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ጥሒሉ ከብዱ ሓቝፉ ከምዝቐነየ ይፍለጥ።
ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ ደሃይ ጠፊኡዎም ኣብ ሻቕሎት ካብ ዝነበሩ ኤርትራውያን ቤተሰቦም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር  ሃለዋቶም ንምፍላጥ ኮነ ንምድሓኖም ተኽእሎ ዘለዎ ወገን ክተሓባበር ጻውዒት ኣቕሪብና ምንባርና ይዝከር።
ብዛዕባ’ዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ወሪዱ ዘሎ ዛጊት ዝዓበየ ናይ ባሕሪ ጥፍኣት ዘዝረኸብናዮ ተወሳኺ ሓበሬታ ከነስዕበልኩም ኢና።
 

mod_btslideshow

Saturday 19/12/2020 Live stream on 20:30 Berlin time.

Who's Online

We have 180 guests online