ሰፍሕ ህዝባዊ ተቃውሞ ኣንጻር ፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ነዘርላንድ። |
![]() |
![]() |
![]() |
Thursday, 25 July 2013 17:54 | |||
ኣደለውቲ ሰላማዊ ሰልፊ እንቃዕ ብደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል ናይ ሰላማዊ ስልፊ መደባትን መምርሒታትን ንጸጥታን ድሕነት ተሳተፍትን ፍሉይ ሓበረታን ብሰፊሑ ቀሪቡ። ካብኡ ኣስዒቡ ንሰላማዊ ሰልፊ ንከሰንዩ ዝተመደቡ ናይ ደንሃክ ፖሊስ ሓላፊ ክንክተሎም ዝግባኣና መምርሕታት ብንጹር ሓቢሩ።
ካብ ብጾትና እውን፣ንጸጥታዊ ስራሓ ዝተመደቡ፣ምስ ፖሊስ ብምትሕብባር ክሰርሑን ነዚ ናይ ሎሚ ሰላማዊ ሰልፊ ዕውት ከይኑ ክወጽእ ናይ ኩሉና ምትሕብባር ከም ዝድሊ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ።
ሰላማዊ ሰልፈኛታት ካብቲ ኣብ ቅድሚ መደበር ባቡር ራይስዋይክ ዝተበገሱ፡ጭርሖታቶም! ደሞክራስያዊ መሰላት ናይህዝቢ ይተሓሎ፣ናይ ፖሎቲካን ሕልናን እሱራት ብቅጽበት ይፈትሑ፣እንቢ ንምልክነት.... ወዘተ ዝብሉ ጽሑፍትን ፖስተራትን ተሰኪሞም ናብቲ ፈስቲቫል ዝግበረሉ ቦታ (Event Plaza)ገጾም ተጛዒዞም።
ፖሊስ ደንሃኽ ብመካይንን ብብሽክለታን ብእግሮምኒ ጎኒ ጎኒና ብዝኸዱ ተዓጂብና፣ ንጎደናታት ራይስዋይክ ሰንጢቅና ጉዕዞና ናብቲ ቦታ ፈስቲቫል ህግደፍ በጺሕና።
ኣብ ከባቢ ፈስቲቫል እተፈላለዩ ናይ ዜና ማዕከናት ሆላንድ፣ ብዛዕባ’ቲ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ ሓበረታ ንክንህብ ሓቲቶምና።
ጋዜጠኛታት ሆላንድ ኣብኡ ምምጻእ መልእኽትና ናብ ዝምልከቶም ሰበስልጣናትን ህዝቢን ንምትሕልላፍ ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ብምርዳእ ብሓው ሃብቶም ዮውሃንስ ቅኑዕ ሓበረታ ከምዝረኽቡ ገርና።
ኮሉ ብስርዓት ህግደፍ ዝካየድ ማፍያዊ ኣስራርሓታት ኮይኑ፡ ዜጋታት ብዘይ ንጹር ዝኮነ ምኽንያት ብዘይ ሕጊን ናይ ቤት ፍርዲ መምርሕን ከምዝእሰሩን፡ ምስ ተኣስሩ ድማ ኣበይ ከም ዝኣተው ብዘይፍለጥ ኣገባብ ከምዝስወሩ ተሓቢሮም።ነዚ ሓቅታት ዝምስክር ጸብጻባት ዓለማዊ ትካል ኣሚኒስቲ እንተርናሽናል ልዕሊ ዓሰርተ ሽሕ ፖሎቲካዊ እሱራት ከም ዘለው ብንጹር ይሕብሩ።
http://www.amnesty.org/en/news/ertitrea-rampant-
repression-20-years-after-independence-2013-05-09
ከምኡ ድማ ብስርዓት ህግደፍ ዝካየዱ ፈስቲቫላት ንህዝቢ ብምፍርራህን ብምርዓድን ካብ ቅጽጽሩ ንኽይውጹ ዝተኣልመን ካብቲ ዝጥቀምዋም ሓደ መሳርሒታት ምኻኑ ይፍለጥ፡ ምስዚ ድማ እቲ ብኣስገዳድ ዝኽፈል ክልተ ካብ ሚእቲ ብሽም ደቂ ስውኣትን ስድራቤት ስውኣትን ተባሂሉ ዝዋጻእ ገንዘብ ኣብ ረብሓ ናይ ህዝቢን ሃገርን ከምዘይውዕል ይግለጽ።
ኣብ መደምደምታ ሰላማዊ ሰልፊና ከምቲ ብናህሪ ዝጀመሮ ንባህርያትን ተግባራትን ስርዓት ህግደፍ ብምብዳህ ከባቢ ሰዓት ሸወዓተ ናይ ምሸት ኩሉ ተሳታፍይ ደላይ ፍትሒ ብሰላም ናብ በቦትኡ ተመሊሱ።
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና!
ስርዓት ህግደፍ ክስዓር`ዩ!
ዓወት ተቃላሳይ ህዝብና ናይ ግድን`ዩ!
|
|||
Last Updated on Tuesday, 08 October 2013 13:09 |