| 
					1 መግለጺ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባር (ኤስሃግ) ብምኽንያት ግምቦት 24 መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ፡			 | 
				
		
					
	| 
		Thursday, 23 May 2024 14:49	 | 
| 
  ልክዕ ከም'ዚ ሎሚ ቅድሚ 33 ዓመት ኣብ ግንቦት 24 1991 ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ተበራረይቲ ባዕዳውያን ሓይልታት ዘካየዶ ናይ ወለዶታት ቃልሲ ንነጻነትን፡ ሃገራዊ ልዑላውነትን፡ ብዓወት ተዛዚሙ ። ነዛ ዕለት እዚኣ ብክብሪ ክነብዕላ እንከሎና፡ ኣቐዲሙ ኣብ ኣእሙሮና ዝመጽእ፡ እቲ ናብ'ዛ ዕለት እዚኣ ንምብጻሕ ምእንቲ ህዝቦምን መሬቶምን ክብሉ፡ መተካእታ ዘይብላ ክብርቲ ሂወቶም ዝወፈዩ ጀጋኑ ሰማእታትናን፡ ኣካላቶም ቀቢሮም ዝኣተዉ ስንኩላንናን እዮም ። ብመስዋእቶምን፡ ስንክልንኦምን፡ ዝተሰርሐ ታሪኽን እንዳዘከርና፡ እንሓዝነሉን ነስተንትነሉን ዕለት ጥራይ ኣይኮነትን፤ ብርግጽ እቲ ዝተኸፍለ ዋጋ፡ ነጻነት ምርግጋጽ ጥራሕ ኣይነበረን፡ ሕቶ ሰላም፣ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ልኣላውነትን ዘላቂ ምዕባለን ንምርግጋጽ’ውን ኢዩ ነይሩ ፡ ይኹን እምበር፡ ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ብሓይሊ ብረት ስልጣን ስለ ዝበሓተ ተኾሊፉ ። ስለዚ እቶም ብሂወት ዝኣተና ነዛ ክብርቲ ዕለት ክነኽብር እንከለና፡ ነቲ ብሰንኪ በሓቲ ስርዓት ህግሓኤ/ህግደፍ ዝተኾልፈ፡ ሕቶ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራስን ዘላቂ ምዕባለን መሊእና ንምምላስ፡ መብጽዓና ደጊምና እነሕድሰላ ናይ ቃልስን ዓወትን መዓልቲ ኢያ ። 
  
ምሉእ ትሕዝቶ ንምንባብ ኣብ ዝስዕብ ቀለበት ጽዓን PDF link 
			 | 
	| 
		Last Updated on Thursday, 23 May 2024 15:02	 |